ርኣይ ‘ናብ ገሃነም እሳት ኢና ኣቲና’ ቅድሚ 4 ዓመታት ሙና ምስ በዓል ቤታን ደቃን ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክመጹ ኣንከለዉ ፡ ኩሉ ሽግሮም ንድሕሪት ዝገድፍዎ ይመስሎም ነበረ። እንተኾነ፡ ጌና ሽግሮም ይጅምር እዩ ነይሩ። ብመኪና ኣብ ምድረበዳ ሊብያ እናተጋዕዙ እንከለዉ፡ ብሸፋቱ ተጨውዮም፡ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ብዝተፈላለዩ ነጋዶ ተታሒዞም፡ ሙና ብራዕዲ እትዝክሮ እዋናት ሓሊፎም። "ህይወትካ ከምትጸልእ እዮም ዝገብሩኻ" ትብል "ናይ ምንባር ተስፋ ከምት ስእንውን እዮም ዝገብሩኻ"ትብል ብተውሳኺ።
ርኣይ ‘ናይ ተስፋ ማዕጾ ተኸፊቱ’ ተስፋለም ንሸውዓት ዓመታት ህይወቱ ደው ዝበሎ ኮይኑዩ ተሰሚዕዎ። መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ንምህዳም ተስፋለም ካብ ኤርትራ ክሃድም ተገዲዱ።ኣብ ጎረቤት ሃገት ኢትዮጵያ ከኣ ዑቅባ ረኸበ፤ግና ከም ስደተኛ ናይ ትምህርቲ ዕድሉ ጸቢብዩ ኔሩ።
ርኣይ ዓበይቲ ሕልምታት ሕለም! ስርሓሉከኣ! ልዋም ኣብ ኤርትረ ስለ ዝዓበየት ወትሩ ንሰባት ኪሕግዝ ትይደሊ ነበረት ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ መዕበዪ ዘኽታማት ወለንተኛ ዀይና ትዓዪ ጸኒሓ ኸኣ ብዛዕባ ማሕበረሰብ መጽናዕቲውን ትገብር ኔራ ። ሳላ እቲ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ተመሃሮ ዚወሃብ መደብ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ (scholarship) ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ንሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳርን ተጽንዕ ነቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነታ ንማሕበረሰባ ንምግልጋል ዝገበረቶ ቘራጽነት ድማ ትሕሉ ኣላ ።
ርኣይ 'ሽሕ ሞት ምምዋት' ጀማል መንእሰይ ኤርትራዊ ኮይኑ፤ ምሽድርኡ ክስደድ ከሎ ገነ ንእሽተይ እዩ ኔሩ።ክዓብይ ከሎውን ኪኖ ማዓስከር ስደተኛ ቡዙሕ ነጋራት ኣይፈልጥን እዩ ኔሩ። ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ ዀይኑ ተሰምዖ ፣ ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ዝሰፍሐ ትርኢትን ዝያዳ ኣጋጣምን ኪረኽብ ሃረር ይብል ነበረ ።
ኣንብብ መንእሰያት ብመገዲ ብስፖርት ብርታዐ ይረኽቡ!! ስፖርት ሰላምን ደገፍን ዘለዎ ሃዋህው ብምፍጣር ንመንእሰያት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ። ስፖርታዊ ንጥፈታት ንማሕበራዊ ጕዳያቶምን ንኣእምሮኣዊ ድሕንነቶምን ዜደንፍዕ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ እዩ ዚህብ።ነቶም ካብ መነባብሮኦም እተመዛበሉ መንእሰያትውን ምትእኽኻብን ኣእምሮኣዊ ድሕንነትን ይህብ።
ርኣይ ትምህርቲ ንኽማሃር ናጽነት ዝረኸበ ስደተኛ ካብታ ንፈለማ ግዜ ኮምፒዩአር ዝተጠቕመላ እዋን’ዩ፡ ኣብ ህይወቱ ክበጽሖ ዝደሊ እንታይ ምኻኑ ፈሊጡ።እንተኾነ ግን ናሆም ኣብ ኤርትራ ብምንባሩ እዚ ምርጫ እዚ ተነፍጎ። ኣብ ክንድኡ ድማ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽፍጽም መምህር ክኸውን ተገደደ።
ርኣይ 'ለውጢ ብኣኻዩ ዝጅምር' ፕሮግራው ዩኒቨርስቲ ኮሪደር ንስደተኛታት (UNICORE) ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢውሮጳ ከይዶም ንኽመሃሩ ይገብር። ካብ ኤርትራ ዝመጹ ስደተኛታት ተስፋይን ገዛኢን፡ እዚ ዕድል ትምህርቲ’ዚ መጻኢኦም ብሩህን ዝጭበጥን ዝገበረ መድሕን ህይወቶም እዩ።
ርኣይ ካብ ሊብያ ካብቲ ናይ ስደት ገሃነም እሳት ናይ ምምላጥ ሕልምታት ተሓደሰ !! "ደቀይ ኣብ ሰላማዊት ሃገር ኪዓብዩ ጥራይ እየ ዝደሊ" ይብል ዳንየል ዚበሃል ኤርትረናዊ ስደተኛ ብተወሳኺ ክገልጽ ከሎ ብዙሓት ኪረኽብዎ ዘይክእሉ መሰረታዊ ባህጊ ደቂ ሰብ : ብፍላይ እቶም ካብ ኣባይቶም ኪሃድሙ እተገደዱ ከምዘሎ ይገልጽ።