ርኣይ
Teklebrhan finds a home after six years of flight
Teklebrhan Tefamariam Tekle escaped Eritrea twice. Today, at 27, he lives in relative comfort, adjusting to a new life in the southern Swedish city of Jönköping.
ቅድሚ ክልተ ዓመት ክፍሎም መለስ ናብ ሰሜናዊ ጥልያን ቦሎኛ ምስገዓዘ፡ ብዘይቲ ሕብሪ ኣብ ካብቫስ ዘስፍሮ፡ ሓድሽ ጥበባዊ ተምሳጥ ረኸበ። ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጸ ክፍሎም፡ በቶም ጥንታውያን ግንብታትን ታሪኻዊ ህንጻታትን ተኸቢቡ፡ ውዕዉዕ ስምዒቱን ክእለቱን ዓቂቡ ትሕዝቶኡ ግና ቐየረ።
“ቆልዓ እንከለኹ እየ ክስእል ጀሚረ።” ይብል እዚ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ።
“ኣቦይ ‘ጥበበኛ ኢኻ፡ ቀጽል፡!’ እናበለ የተባብዓኒን ይደፋፋኣንን ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ተውህቦ ከም ዘለኒ ፈሊጠ። ቀስ ብቐስ ከኣ ቅብኣ ተማሂረ።”
ኣብ 2015 ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝዘሎ ጭቆና ናብ ኢኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ ምስ ሃደመ፡ ክስእል ኣብብዝኸኣሎ ግዜ ምስኣል ቀጸለ። “ንዓይ ቅብኣ ስምዒታትካ እትገልጸሉ መንገዲ እዩ፡” ይብል።
ኣብ ኢትዮኦያ፡ ንስደተኛታት ኣገልግሎት ኢንተርነትን ናይ ኦንላይን ኮርሳትን ኣብ እትህብ ካቶሎካዊት ናይ ሓገዝ ትካል ኣካያዲ ናይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኮይኑ ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣብ ትርፊ ግዜኡ ድማ ቅባኣ ቀጸለ።
ቅብኣ፡ ነቲ ዕለታዊ ጸቕጢ ናይ ስደተኛ ህይወቱ ንኽስዕሮ ብዙሕ ከም ዝሓገዞ ምስ ተገንዘበ፡ ኣብ ፍወሳ ብጥበብ ኣትዩ፡ ስደተኛታት ግዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ተውህበኦም ከለልዩን ንቕሓቶም ከዕብዩን ክሕግዝ ጀመረ።ንዕኡን ነቶም ምስኦም ኮይኑ ዝሰርህ ዝነበረ ስደተኛታትን ኣወንታዊ ጽልዋ ነይሩዎ ይብል ክፍሎም። “ስደተኛ ስለ ዝኾንኩ ኖኣይ ፍወሳ ብትበብ የኦግበኒ እዩ። ጎኖ ጎኑ ድማ ምስ ስደተኛታት ይወርሕን ይሕግዞምን።”
“ቀሊል ኣይኮነን። ኣእንተኾነ ንካልኦት ምሕጋዝ ጽቡቕ ነገር እዩ። ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለኩ እቲ ዝዓበየ ኣበርክቶይ እዩ ነይሩ ክብል እኽእል።”
ከም ካልኦት ብዙሓት ስደተኛታት ፡ ክፍሎም ብመንገዲ ደላሎን ኣስገርቲን ናብ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሕ ሓሳብ ነይሩዎ እዩ። እንተኾነእንተኾነ ዘይከምቶም ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ኣንጻር እዚ ዘይውሑስ መንገዲ ወሲኑ። “ገለ ሰባት ፡ ውሑስ ምኻኑ፡ ክኸይድ እንተደልየ ክሕብሮምን ገለ ገንዘብ ከፊለ ብቐሊሉ ኤውሮፓ ክኣቱ ከም ዝኽእልን ነጊሮሙኒ።”
እቲ ዝበልዎ ሓሶት ምኻኑ፡ ትካላት ስደተኛታት ናይ ጭውያ፡ ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ዓመጽ፡ ቅትለትን ምጥሓልን ሓደጋታት ከምዘዘሎ ከጠንቅቓ ምስ ሰምዐ ፈሊጡ። “እቶም ኣሳገርቲ፡ሰልዲ ንክረኽቡ ክብሉ፡ ሰባት የተባብዑን ይደፋፍኡን፡” ይብል ክፍሎም።
ስለዚ ቐበአ። ተጸበየ። “ሓደ ሰብ ዓቕሊ ክገብር ኣለዎ” ኣበለ ክፍሎም፡ “ሓደገኛ ውሳነ ካብ ምውሳድ ካልእ ኣማራጺ ክደሊ ወሲነ።” ይብል።
ክፍሎም ዝፈልጦም ካልኦት፡ ንነብሶም ኣብ ኢድ ኣሳገርቲ ብምውዳቖም፡ ኣብ ሊብያ መሪር ኩነታት ክሓልፉን ዘሰንብድ ኣተሓሕዛ ክጻወሩን ተገዲዶም። “ናብ ሊብያ ዝኸዱ ኣዕሩኽተይ ኣለዉኒ። ክዛረቡ እንከለዉ ፍጹም ፍጹም ክዝክርዎ ከምዘይደልዩን ነታ ልብያ ትብል ቃል’ውን ክሰምዕዋ ኣይደልዩን እዮም። ከቢድ ተመኩሮ ከም ዝሓለፉ ካብ ኣዘራርቦኦም ትርዳእ። እቲ ጉዕዞ ሓደገኛ ምንባሩ ትርዳእ።”
ኣብ መጨረሽታ ክፍሎም ዓስቢ ትዕግስቱ ረኺቡ። ብሃይማኖታውያን ትካላት ጥልያን ዝካየድ ውጥን ምጥያስ ስደተኛኣታት ሰብኣዊ ደገፍ ክረክብ ተሓረየ። ህይወት ናይ ምድሓም ዓቕሚ ልአዎም ስርሓቱ፡ ኣብ 2019 ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ስልማት ስደተኛታት ናንሰን ኣፍልጦ ረኸበ። “ዘይከምቶም ብሊብያ ዝኸዱን ብዙሕ ጸገማት ዝረኸቡን ኣሕዋተይ፡ ብውሑስ መንገዲ ዳግም ተጣይሰ።” ይብል።
ኣብታ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጸላ መዓልቲ፡ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ኣውተቡስ ተሰቒሊ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣትዩ፡ ናይብ ሽዱሽተ ሰዓታት በረራ ናብ ዓዲ ጥልያን ተሰቕለ። እቲ ጉዕዞ ቀሊል፡ ውሑስን ሕጋውን እዩ ነይሩ።
“ኣብ ጥልያን ምስ በጻሕኩ፡ ጽቡቕ ተሰሚዑኒ። ብዙሓት ሰባት ናብዚ ንኽበጽሑ ክሳብ ህይወቶም መስዋእቲ ከፊሎም እዮም።” ይብል።
ኣብ ቦሎኛ ክፍሎም፡ ቃንቃ ጥልያን ንክዛረብ ይመሃር ኣሎ። “ኣብ ጥልያን ትምህርቲ ኣሎ። ዕድል ስራሕ ድማ ኣሎ።” ይብል። ንክፍሎም ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ወይ መሰረታዊ ረብሓ ኣለዎ። ‘ጥልያን ቦታ ጥበብ እያ።