ርኣይ ፈተናን መከራን ኣብራሃም ከም ካልኦት ስደተኛታት፡ ንኤርትራ ኪገድፋ ኸሎ ብዛዕባ እቲ ኪፍጽሞ ዝነበሮ መገሻ ድሩት ፍልጠት ጥራይ እዩ ነይሩዎ። ናብ ካርቱም ኢሉ ኢዩ ተበጊሱ። ካርቱም ነቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ገይሮም ንኤውሮጳ ኪሰግሩ ዚደልዩ ቀንዲ መነሃርያ እያ። ዕላማ ኣብራሃም ከኣ ከም ካልኦት ብጾቱ ኣብዛ ኸተማ ሰሪሑ ንመገሻኡ ዚኸውን ገንዘብ ንምእካብ እዩ።
ርኣይ ዛንታ ባቢሎን ባይሎን ኣብ ዕስራታት ዝርከብ መንእሰይ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳን ካብ ስደተኛትት ስድራ ቤት እዩ ተወሊዱ፡፡ ኣብ ሱዳን እናሃለወ ምስቶም ኣኽበርቲ ጸጥታ ተገራጭዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ጌሮም ናብ ኤርትራ ክንሰጐካ ኢና ኢሎም ኣፈራርህዎ፡፡ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ናብቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ሊብያ ኣምሪሑ፡፡
ርኣይ ዛንታ ዓንደማርያም ዓንደማርያም ኣብ ዕድመ ኣርብዓታት ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ እዩ፡፡ ክትሪኦ ግና ካብኡ ኣጸቢቑ ዝዓቢ ይመስል፡፡ ሰብነቱ ድኹም እዩ፡ ክሰርሕ እንከሎ ድማ መሓውሩ የንቀጥቅጥ፡፡ ጥዕና የብሉን፡፡ ኣብ ኣውሮጳ ካብ ዝኣቱ ዓመቱ ኮይኑ”ሎ፡ ግና ጥዕና ይብሉን፡፡ ኣውሮጳ ክኣቱ ዝኾነ መደብ ኣይነበሮን፡ ፈጺሙ ኣብ ውጥኑ ኣብ ዘይነበረ ጉዕዞ እዩ ኣትዩ፡፡ እዚ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ዝገበርናሉ ግዜ ዓንደማርያም ተቐማጢ ሙኒክ ጀርመን እዩ ኔሩ፡፡
ስማዕ ዛንታ ራሄል፡ ምእንቲ ደቀይ! ራሄል ኣብ 2012 እያ ካብ ኤርትራ ወጺኣ፡፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ናይ ጉልበት ስራሕ እናሰርሐት ነቲ ጉዕዞ ዝኾና ገንዘብ ኣዋህለለት፡፡ ኣብ 2014 ነፍሰጾር ኮይና ሓደ ወዲ ዓመት እናኣለየት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ክትናበር ድሕሪ ምጽናሕ ዕድለይ ኢላ ነቲ ጉዕዞ ሰሃራን መዲተራንያንን ክትፍትኖ ወሰነት፡፡
ርኣይ ዛንታ ኣሕመድ ግድነት ዝሕለፍ መስገደል ኣሕመድ ምስ ካልአት ብምዃን ካብ መኪና ወሪዶም ንትሽዓተ መዓልታት ብዘይ እኹል ማይን መግብን ኣብቲ ምድረበዳ ሊብያ ተደርብዮም፡፡ ኣብቲ ግዜያት ሽዱሽተ ሰባት ብጽምእን ጥሜትን ክሞቱ ኣሕመድ ብዓይኑ ርእዩ፡፡
ስማዕ ዛንታ መሓመድ፡ ናይ ከንቱነት ከንቱ “ጉዕዞ ጅምር ካብ ዘበልናላ ኣትሒዘ እዚ ኩሉ ኣብ ምእንቲ ምንታይ ኢለ ንነብሰይ ዘይሓተትኩላ ግዜ የላን፡፡ ህይወተይ ኣብዚ ፈታኒ ኩነታት እንተ ሓሊፋ ኣላህ ከም ዝሓተኒ ተሰወጠኒ፡፡” ብምባል መሓመድ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቐማጢ ጀርመን የስተንትን፡፡