
ርኣይ
ፍቕሪን:ተስፋምቝራጽን: ተስፋን: ሓድሽ ናብራ ንምጅማር
ኣብ ከባቢኦም ግጭት እናበዝሐ ምስ ከደ እቲ ዅነታት ክም መንእሰያት ወለዲ ን ሰላምን ሶሎሙንን፤ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ ዝመስል ነይሩ ። ንሳቶም ኤርትራዊ ስደተኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኖም ብሰምሰርቲ ተታሊሎም ኣብ ሊብያ ተቐርቀሩ መንእሰያትዮ’ም። UNHCR ነቶም ተነቀፍቲ ስደተኛታትን ነቶም ዕቝባ ዚደልዩ ሰባትን ካብ ማእሰርቲ ሊብያ ዜድሕኖም እተወደበ በረራ; ኣዳልዩ ኣድሒንዎም።