
ርኣይ
ናይ ሰላም ጉዕዞ ካብ ሱዳን ናብ ፈረንሳይ
ሰላም ጋል 18 ዓመት ምስኮነት እያ ስደት ጉዕዞ ጀሚራቶ። ካብ ኤርትራ ብ 2010 ወጺኣ፤ ብድሕሪኡውን ምስ ኣዲኣን የሕዋታ ትቕመጥ ኔራ። ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ተቀሚጣ።ኣብ ሱዳን እቲ ኩነታት እንዳ ከበዳ ከይዱ። መንግስቲ ሱዳንዉን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ምእሳር ስለዝጀመረ፤ ሰላም ክትማሃርን ክትሰርሕን ኣይከኣለትን። ማእሰርቲ ስለዝፈረሐት ድማ፤ ንስድራኣ ከይነገረት ካብ ሱዳን ክትወጽእ ወሲና።