ዛንታ ራህዋ
ጓል 15 ዓመት ራህዋ፡ ነቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞ ብ2015’ያ ተበጊሳትሉ። ነቲ ጕዕዞ ናይ ምውሳድ ውሳኔ ብዘይ ኣፍልጦ ወለዳ ምስ መሓዙታ ኰይና’ያ ፈጺማቶ።
“መሓዙተይ ምስኣቶም ንኽጓዓዝ ምስ ሓተቱኒ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸገም’የ ተሰማሚዐ፡” ትብል ራህዋ። “በቃ፡ ዋላ ሓደ ንድሕሪት ዘጠምት ምኽንያት ኣይነበረንን።”
ቅድሚ ምብጋሳ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩላ ምስ ዝኽእሉ ኣብ እስራኤልን ኤውሮጳን ንዝነብሩ ሓወቦታታ ተራኺባ።
ራህዋ፡ ምስ ካልኦት ሰለስተ ደቀንስትዮ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብሞተር-ብሽግለታ ነቒለን። ክሳብ ኻርቱም ሰለስተ መዓልታት ዝወስድ ጕዕዞ’ዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ’ቲ ጕዕዞ፡ ጕጅለታት ሰረቕቲ ኣድብዮም ብምጽናሕ ቀጥቂጠምዎም። ብዕድል ግን፡ ከቢድ መጕዳእቲ ኣይወረዶምን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ሞተር-ብሽግለታ ተጠቒሞም መገዶም ቀጺሎም።
ኣብ መላእ ጕዕዞኣ፡ ራህዋ ብመገዲ መሓዙታን ደላሎን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣሰጋገርቲ ሰባት ተራኸበት። ነቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ድማ፡ ናይ ሓወቦታታ ቍጽሪ ስልኪ ሃበቶም። ኣብ ኻርቱም፡ ሓደ ካብ ሓወቦታታ፡ ንሓደ ኣሰጋጋሪ ሰባት ንራህዋ ናብ ኤውሮጳ ከጓዕዛ ዝኽእል ፓስፖርት ንኽረኽበላ ክጽዕር ምዃኑ ሓቢሩዎ። እዚ ኣገባብ ነዊሕ ግዜ ክውስድ ምዃኑ ዝተገንዘበት ራህዋ፡ ብዝቐልጠፈ ናብ ሊብያ ክትከይድ ብምውሳን፡ ሓወቦኣ ንሓደ ካብ ኻርቱም ክሳብ ኣጅዳቢያ ሊብያ ንዝወስዳ ኣሰጋጋሪ ሰብ 1700 ዶላር ኣመሪካ ከፊሉላ።
ራህዋ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ከምኡ ዓይነት ጕዕዞ፡ ብፍላይ’ኳ ኣብ ናይ ሊብያ፡ ዘጋጥሙ ኣዝዮም ኣሰቀቕቲ ነገራት ሰሚዓ ነይራ’ያ። ብዛዕባ ገንዘብ ከፊሎም ክነሶም ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዝዀነ ሰብ ምስ ዝሓምም ሕክምናዊ ረድኤት ናይ ዘይምርካብ ጸገማት ሰሚዓ ነይራ’ያ። ራህዋ፡ ዋላ’ኳ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ተመርኵሮ ዘሕለፉ ሰባት ኣብ ጕዕዞኣ እንተ ረኣየት፡ ንነብሳ ከም ዕድልኛ ገይራ’ያ ትቘጽራ።
ኣብ ኣጅላብያ፡ ናብ ሲቺልያ ሃገረ ጣልያን እትወስዳ ጃልባ ተሳፈረት። ካብ ሲቺልያ፡ ራህዋ ምስ ካልኦት መጓዕዝታ ስደተኛታትን ናብ ከተማ ስይራኩስ ብእግሪ ድሕሪ ምጕዓዝ ብሓገዝ ኣሰጋገርቲ ሰባት ናብ ከተማ ሮማ ናይ ዝወስዳኦም ኣውቶብሳት ትኬት ገዝኡ። ኣብ መላእ ናይ ኤውሮጳ ጕዕዞኣ፡ ራህዋ ንምኽሪ ኣዝማዳን ካልኦት ዝገጠሙዎ ሰባትን ተጠቒማ’ያ ኣንፈት ጕዕዞኣ ትውስን ነይራ። ናብ ኣየነይቲ ሃገር እንተኸደት ከም ዝሓይሽ ንኣዝማዳ ምስ ሓተተት፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትከይድ መኸሩዋ።
“ትሕቲ ዕድመ ብምዃነይ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ዝኸይድ ዝሓሸ ዕድላት ክገጥመኒ ምዃኑ ሓቢሮምኒ፡” ትብል ራህዋ።
ኣብ ሮማ ዝረኸበቶም ኤርትራውያን ብዝሃቡዋ ምኽሪ ድማ ብሚላኖን ኒስን ሓሊፋ፡ ፓሪስ በጸሐት። ካብ ፓሪስ ድማ ንካሌ ተጓዕዘት፣ ኣብኡ ድማ’ያ ነዚ ቃለ-መሕትት ዘካየደቶ።
ህይወት ኣብቲ ‘ጫካ’ እናተባህለ ዝጽዋዕ ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡሉ ክፋል ካሌ ከምቲ ዝተጸበየቶ ኣይነበረን። “ኣብ ግዜኣዊ ቴንዳ ኢና ንነብር። ኣዝዩ ቆራሪ ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ናይ ምሕማም ተኽእሎ ኣሎ፡” ትብል ራህዋ። “ኣብዚ ኴንካ ብዛዕባ ጕዕዞ ምሕሳብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። እንተ ዘይደቂስካ፡ ነቲ ጕዕዞ ከተካይዶ ኣጸጋሚ እዩ።”
ለይቲ-ለይቲ፡ ኣብ’ተን ንካናለ እንግሊዝ ዝሰግራ ናይ ጽዕነት መካይን ንኽትስቀል ክትፍትን’ያ ተሕልፎ። እዚ’ውን፡ ንሳ ከም እትብሎ፡ ንኽትረኽቦ ቀሊል ኣይኰነን። ሓደ ካብ ዘፍርሑዋ ነገራት፡ ናብ ኣንጻር ኣንፈት ኣብ እትጓዓዝ መኪና ከይትስቀል’ዩ።
“ኣብዚ ዝነብሩ ኣሕዋተይ በዚ ኣንፈት ንኸይከይድ ኣማኺሮምኒ ነይሮም። እንተዀነ ኣይሰማዕኩዎምን፡ ከማኡ’ውን ከምዚ ይኸውን’ዩ ኢለ እሓስብ ኣይነበርኩን፡” ትብል ንሳ።
“ነዚ ተመኵሮ’ዚ ቅድሚ ምርኣዩ፡ ዝዀነ ሰብ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክውስን ኣይካልን’ዩ፡” ትውስኽ ራህዋ። “ብዙሕ እዋን ንእንሰምዖም ኣይንእምኖምን ኢና። ድሓር ምስ ተመኰርካ ግን ቅቡል ይኸውን።”
ንዛንታ ጕዕዞ ራህዋን ህይወት ካሌን ንምስማዕ፡ ዝስዕብ ቪድዮ ተዓዘብ።