ናይ ኣዳል ጕዕዞ
ኣዳል ንጉሰ፡ ነቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞኡ ናብ ኤውሮጳ ብ2002’ዩ ጀሚሩዎ። ጕዕዞኡ ካብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን እትርከብ ከሰላ እትበሃ ንእሽቶ ከተማ ብምጅማር፡ ናብ ኻርቱም ቀጺሉ። እቲ እዋን’ቲ፡ እቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞ ብመገዲ ሊብያ ህቡብነት ከጥሪ ዝጀመረሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።
ኻርቱም ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጕዕዞኡ ዝቕጽለሉ መደባት ክሓቱዎ ጀመሩ። ካብቲ ክርኽቦ ዝኸኣለ ሓበሬታ ተበጊሱ ድማ፡ ናብ ሊብያ ክጓዓዝ ወሰነ። ዋላ’ኳ ስድራ-ቤቱ መደቡ ከቋርጾ እንተተማሕጸኑዎ፡ ብኣእምሮኡ ነቲ ጕዕዞ ክጅምሮ ወዲኡዎ’ዩ ዝነበረ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት፡ ብገንዘባዊ ሓገዝ ስድራ-ቤቱ፡ ኣዳል ንመገዲ ሊብያ ተተሓሓዞ።
ኣብ ኻርቱም ምስ ኣሰጋገርቲ ሰባት ብምርኻብ፡ ምስ ካልኦት 30 ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ሓንቲ ፒክ-ኣፕ ዝዓይነታ መኪና ተሳፈረ። እቲ ካብ ሱዳን ተበጊሱ ሊብያ ዘዕርፍ ጕዕዞ ኣርባዕተ ፈተንቲ መዓልታት ድማ ወሰደ። እቲ ሰለስተ መካይን ብዘጠቓለለ ቃፍላይ ዝተኻየደ ጕዕዞ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣእጋሩ ኰርምዩን መንከሱ ኣብ ብርኩ ኣላጊቡን ተጸቓቒጡን ን12 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ዝጓዓዘሉ’ዩ ዝነበረ። ብሰንኪ’ቲ ዘቃጽል ምቘት ምድረ-በዳ፡ እቲ ዝስተ ማይ ኣዝዩ ብምውዓዩ ነቲ ዘየቋርጽ ጽምኢ ዘርዊ ኣይነበረን። ኣብ ብምልኡ’ቲ ጕዕዞ፡ ኣዳልን እቶም 30 መጓዕዝቱን ብደሮና ተኸዲኖም፡ ካብ ጕድጓድ ተፋሒሮም ዝወጽኡ’ዮም ዝመስሉ ዝነበሩ።
እታ ቀዳመይቲ መርዕረፊት ናይቲ ጕዕዞ ዶባዊት ከተማ ኩፍራ’ያ ነይራ። ኣብኡ ድማ፡ እቶም ጕጅለ ተጓዓዝቲ፡ ነቲ ተወሳኺ ኣርባዕተ መዓልታት ዝወስድ ጕዕዞ ንትርቡሊ ናብ ዘሳልጡሎም ሊብያውያን ጕጅለ ኣሰጋገርቲ ሰባት ተረከቡ። ትርቡሊ ምስ ኣተዉ ድማ፡ እታ ጕጅለ ተመቓቐለት። እቶም ገንዘብ ዝነበሮም ብቕልጡፍ ካብ 25 ክሳብ 200 ሰባት ናብ ዝጽዕና ጃላቡ ተመቐቐሉ፣ እተን ንኣሽቱ ካብ ዝንፋሕ ፕላስቲክ ዝተሰርሓ ጃላቡ ሓደገኛታት ብምዃነን፡ ናይ ዝበዝሑ ምርጫ እተን 200 ሰባት ክጽዕና ዝኽእላ ጃላቡ’የን ዝነበራ። ናይ ኣዳል ምርጫ ድማ ካብ’ተን ዓበይቲ ጃላቡ ብምንባሩ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ክሳብ እኹል ቍጽሪ ተጓዕዝቲ ኣኪቦም ዘበግሱዎም ወርሒ ምሉእ ክጽበ ተገዲዱ።
መዓልቲ ጕዕዞ ምስ ኣኸለ፡ ኣዳል ብገምጋም 240 ሰባት ጽዒና ምስ ዝነበረት ጃልባ ናብ ኤውሮጳ ተበገሰ። “ክንደይ ዝኣክል ሰብ ተጻዒኖም ዘይኰነ፡ ከንደይ ዝኣክል ገንዘብ ይረኹቡ’ዩ ዘገድሶም፡” ይብል ኣዳል፡ ብዛዕባ’ቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ክዛረብ እንከሎ። “ክሳብ መስቀሊ ቦታ ዝሰኣን፡ ሱቕ ኢሎም’ዮም ሰብ ዝጽዕኑ። ምስ ኣፈነዉኻ፡ ዋላ ድሕሪ 100 ሜትሮ እንተ ጠሓልካ፡ ኣይዓጦምን’ዩ።”
እታ ንኣዳልን ነቶም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ዘሳፈረት ጃልባ፡ ምስ ማዕበል ክትላተም ብምጅማራ ዝቐጸለ ጕዕዞ ባሕሪ ኣዝዩ ኣሰቃቒ’ዩ ነይሩ።
ንዛንታ ኣዳል ኣብ ጕዕዞ ባሕሪ ንምስማዕ፡ ዝስዕብ ቪድዩ ተመልከት።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማልታ፡ ኣዳልን እቶም ስደተኛታትን ኣብኡ ዕቝባ ንኽሓቱ ብሰብ-መዚ’ታ ሃገር ሕቶ ቀረበሎም። እንተዀን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ስደተኛታት ናይ ቤላቤሎው ወረ ተነዚሑ ብምንባሩ፡ ኣብኡ ዕቝባ ንኽሓቱ ኣይተተባብዑን። እቲ ዝተናፈሰ ወረ፡ ማልታ ንእሽቶ ደሴታዊት ሃገር ብምዃና፡ ናይ ዕቝባ ሕቶኦም ኣይትቐበሎን’ያ ዝብል’ዩ ዝነበረ። ኣዳልን መጓዕዝቱ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ናብ ሃገረ ጣልያን ንኽውሰዱ ሕቶ እቕረቡ። እዚ ግን፡ ቅቡል ዘይኰን ኣማራጺ’ዩ ነይሩ። ዋላ’ኳ እቶም ሰብ-መዚ ማልታ ብተደጋጋሚ ኣብኡ ሕቶ ዕቝባ ንኸቕርቡ ንምእማኖም እንተ ጸዓሩን፡ እንተ ዘይኰይኑ ክጥርዙዎም ምዃኖም’ውን እንተ ኣፈራርሑዎም፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘቕረቡዎ ሓሳብ ጸንዑ።
ሓደ ምሸት ድማ፡ ሓደ ጕጅለ ፍሉይ ኣሃዱ፡ ናብቲ እቶም ስደተኛታት ኣዕሪፎምሉ ዝነበሩ ክፍልታት ሰቢሮም ብምእታው፡ ሓይሊ ተጠቒሞም በብዜግነቶም ፈላለዩዎም። እቶም ኤርትራውያን ብሓደ ተፈልዮም ኣብ ኣውቶብሳት ኣሳፊሮም ናብ መዓርፎ-ነፈርቲ ኣንፈት ምስ ኣትሓዙዎም፡ ብኡ-ንብኡ ክጥረዙ ምዃኖም ተሰቊሩዎም። ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጕዕዞ ኣዳል ድማ ንብላሻ ኰነ። ናብ መበገሲኡ ድማ ተመልሰ። “ንዅልና ኤርትራውያን ዘበልና ኣብ ኣውቶቡሳት ብምስፋር ናብ መርዓርፎ-ነፈርቲ ወሰዱና። ናብ ኤርትራ ይጥርዙና ምንባሮም ምስ ተገንዘብና፡ ብጓሂ ኣልቂስናን ወጪጭናን፡” ይብል ኣዳል። “ናብ ኤርትራ ድማ ጠሪዞምና።”
ኤርትራ ምስ ተመለሰ፡ ብኡ-ንብኡ ተኣሰረ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ መሊቝ ብምህዳም ነቲ ፈታኒ ጕዕዞ ንኽደግሞ ሃቀነ። እንተዀን፡ ስድራ-ቤቱ ዝዀነ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኽገብሩሉ ቅሩባት ኣይነበሩን። ኣብ ሱዳን፡ ኣዳል ምስ ቤ/ጽ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምርኻብ ናብ ካልእ ዓዲ ናይ ምጥያስ መስርሕ ጀመረ። ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣዳል ናብ ሃገረ ሽወደን ክጣየስ ምዃኑ መልእኽቲ ተቐበለ።
ኣብ 2013፡ ሓዉ ንኣዳል ኣሰር እግሪ ሓዉ ብምስዓብ፡ ነቲ ፈታኒ ጕዕዞ ተተሓሓዞ። ኣዳልን ስድራ-ቤቱን ሓሳቡ ንኸቋርጾ ብዙሕ ግዜ ምዒዶምዎ፡ ግን ኣይተዓወቱን። ዝዀነ ሓገዝ ምስ ዘይገብሩሉ፡ ነብሰ-ቕትለት ክፍጽም ምዃኑ ምስ ኣፈራርሖም፡ እታ ስድራ-ቤት ኣብ መዋጥር ኣተወት።
“እንተ ዘይሓጊዝናዮ ነብሰ-ቕትለት ክፍጽም ምዃኑ ኣፈራሪሑና። ካብ ብኾፈይ ህይወተይ ዝስእን፡ እናፈተንኩ ክመውት ይሕሸኒ፡ ኢሉኒ፡” ይብል ኣዳል። “ዳሕራይ ክትጠዓሱ ኢኹም ኢሉ ኣጠንቂቑና። ኣዚና ስለ ዝፈራሕና ድማ፡ ብሰላም ክኣቱ ብምትስፋው ገንዘብ ክንሰደሉ ወሲና።”
ኣብ ጥቅምቲ 2013 ድማ፡ ሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ኣዳል ምስ ሓዉ ብስልኪ ምዝርራቦም፡ 500 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፔዱሳ ጥሒላ። ሓዉ ንኣዳል፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝደሓኑ ናይ ምዃን ዕድል ኣይረኸበን።