– “ብሃንደበተ ኣብ ማኣከል ምድረበዳ ደርበዩና፡ብዘይ ማይ ብዘይ ምግቢ። መዓስ ተመሊሶም ይወስዱና ይነገሩናን። ንሓደ ለይቲ ንመዓልቲ ንብዘይ ንጹር መጻኢ ኾነ ብዘይ ማይ ጸናሕና።”ተኽለ ኣብ ኤርትራ ትወሊዱ ዓብዩ። ካብ ኢርትራ ድሕሪ ምህዳሙ፡ ተኽለ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ተቆመጠ። ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ምስ ከፌአ ግን ናብ ኤውሮፓ ገጹ ከምርሕ ተገደደ። ነዊሕን ርጉጽ መወዳኣታ ዘይብሉ ጉዕዞ ኮይኑ ጸንሖ። ብሰንኪ ዘይቁንዕ ኣሰራርሓ ችካነን ደለልቲ ሰብን ተኽለን መጓዝቱን ተሳቀዩ። ብዛዕባ ዘስካሕክሕ ጉዕዞ እዩ ዘዕልል። ኣብ ሲርቲ ዝበሃል ቦታ ኣብ ገምገም ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ብዳዒሽ ሽፋቱ ተቸወዩ። ኣዚ ድማ ሓደ ሓመት ድሕሪ እቶም 30 ኤርትራውያንን ኢትዮፕያውያን ዝተቀተሉሉ ግዜ እዩ።ነዚ ብምግንዛብ ተኽለ ሞት ርግጽ ከምትጽበዮም ዘላ ኣመነ።
ቀጺሎም እቶም ክደለልቲ ካብቲ ቦታ ኣግዓዝዎም ናብ ሓደ መሐወሊ ቦታ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ድማ ኣሰሩዎም። ጉዕዞ ትወድአ መሲሉዎም ኣብ ሲርተ ከተማ ሊብያ ምስ በጽሑ መርከብ ተሰቂሎም ናብ ኤወሮፓ ዝብገሱ መሰሎም። ግን ኣብዚ ደረጃ ናይ ጉዕዞኡ ኢዩ ተኽለ ኢቲ ዝኸፍአ ስቅያት ኣብ ነሱ ዝወርዶ። ብሰፋቱ ዳዕሽ ተቸወዩ። ሞት ኣምበር ሂወት ከምዘየለ ኣብ ኢድ ዳዕሽ ይፈልጡ ስለዝነበሩ ተስፋ ቆረጹ።
“ ዳዐሽ ምዃኖም ምስ ነገሩና ፡ማይ ኮነ ምግቢ ኣይሓተትናኦም። እንታይ ክገብረልና ክቀጥሉና ምዃኖም ንፈልጥ ነርና። ኣብ ፋይስቡክ 33 ኤርትራውያንን ኢትዮፕያውያንን ከምዝሓረድዎም ርኢናዮ ኢና። ስለዚ ንሞት ተቀረብና።”
ተኽለ ካብቶም መጓዓዝቱ ንሱ ጥራሕ ዓረብ ዝዛረብ ስለ ዝነበረ እቶም ቸወይቲ ኣፈኛ ናይቶም ግዳያት ምስኡ ዝነበሩ ክኸውን መረጽዎ። ካብቶም መጓዓዝቱ ብዜግነትም ክመቅሎም ኣዘዙዎ። ተኽለ ኣበየ እሞ ብሰንኩ ድማ ከቢድ መግረፍቲ ስንክልና ዝገደፈሉ በቶም ዳዕሽ ወረዶ። ሃለውቱ ክሳብ ዘጥፋ ቀጥቀጥዎ። ኣንፈቱ ምስ መለሰ የዒንቱ ብስሩዕ ከምዘይሰርሕ ዘሎ ብራዕዲ ተገንዘበ።
“የዕንተይ ብሓንሳብ ኣይኮነን ዓዊረ።፡መጀመርያ ድሕሪ እቲ ምቅጥቃጥ መዓልቲ ድሕሪ መዓልቲ ኩሉ ሃሳስ ኑተረኣየኒ። ነቶም ኣዕራብ ሽፋቱ ነገርኩዎም ‘ሞ ግን ንሶም -ደይ ክንሓርደካ ኢና -በሉኒ። ሞት ሎሚ ጽባህ ኢና ንብል ኔርና። ድምቂ ኣግሪ ክንሰምዕ ከለና በቲ ማዕጾ- መጹ ክሓርዱና - እንዳበልና ሓሊፍናዮ።”
ዕድል ጌሮም ግን ዘይተጸበዩዎ ነገር ኣጋጠመ ገበሩ፥ እብ ዝሰዓበ ግችት ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ሸፋቱ ተጠቂሞም ተኽለን መጓዓዝቱን ሃደሙ። ነቲ ሰምሳሪኦም ደላሊ ሰብ ደወሉ እሞ ኣብ ጃልባ ኣስቂሉ ናብ ኤውሮፓ ሰደዶም።ልሚተኽለ ኣብ ኤውሮፓ ፈንሳ ይነብር ።ብሰንኪ ስንክልናኡ ግን ሕልሙ ናብ ሓኾምሽቲ ከምዝተቀየረ ኮይኑ እዩ ዝስምዖ። ነቶም ናብ ሊብያ ክጓዓዙ ዝሓስቡ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይደልይ።
“ሰብ ኣብ ሰሃራ ምድረበዳ ክመውት ከሎ ኣባኡ ኢዩ ዝድርበይ። ዝኮነ ሰብ ብፍጹም ናብ ሊብያ ምድረበዳ ዝበሃል ክሰግር ኢሉ ክጓዓዝ ኣይግበኦን።”