
ዛንታ ነሽ-ነሽ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸተል
ነሽ-ነሽ ፍሉጥ ኤርትራዊ፡ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትኣብ ኤውሮጳ እዩ። ሕጂ ድምጺ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤራርውያን ኣብ ስደት ኮይኑ ፡ ኣርኣያ ንካልኦት ብሙኻን በዚ ሽግር ዝሓልፉ ዘለዉ ኣዕሩኽቱ ኣብነት ኮይኑ ኣብ ምምሃር ይርከብ። ነሽ-ነሽ ወሲኹ ንኹሉ ሰደተኛ ኣብ ቦትኡ ዓቕሊ ገይሩ ሕጋዊ መስርሕ ክጽበ ይምዕድ። ዛንታ ነሽ-ነሽ ሕጋዊ መስርሕ እዩ ተኸቲሉ።
ነሽ-ነሽ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ክወጽእ ከሎ ወዲ 22 ዓመት እዩ ነይሩ። ነዚ ኹሉ ሓደገኛ ጉዕዞ ሰደት ካብ ሱዳን ክሳብ ኤውሮጳ ክፍጽሞን ሰባት ዝኸፍለሎም ሲኢኖም ኣብ መንገዲ ክሳቀዩ ሪኡዩ። ሰምሰርቲ ሓደገኛታት ምኻኖም የፈልጥዩ። ኣብቲ ጉዕዞውን ቡዙሓት ከምዝተበደሉ መስኪሩዩ። ግና እዚ ኹሉ ነቶም ዘይከፈሉ ጥራሕ ዘጋጥሞም ይመስሎ ኔሩ።
"ኣነ ዝ ፈልጦ ይብል ነሽነሽ ኣብ ሊብያ ገንዘብ ተኸፊልካ ብዘይ ጸገም ትሰግር ይመስለኑ ነይሩ። ግን እቶም ዝሳቀዩ ዘለዉ ሰባት ጥራይ እቶም ዝኸፍለሎም ሲኢኖም ዘለዉ ጥራይ ዘኮኑስ፡እንኮላይ ገንዘቦም ከፊሎም ዝሳቐዩ እውን ብዙሓት ኣለዉ።"
ኣብ ኢድ ጫዳውያን ንዘይምውዳቕ ንመዓልታት ብዘይ ማይን መግብን ከምዝተጉዓዙን ኣብ ሊብያ ምስ ኣተዉ ‘ውን ንሱን ብጾትን ኣብ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጽዕነት ተሓቢኦም ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሮሞ ዳግማይ ከምዝተኣሰሩ ይሕብር።
"ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይብል ንሱ ካብ ዝኹሉ ኣብ መንገዲ ዘጋጠሞም እቲ ዝኸፍአን ተስፋ ዘቑርጽ ብዙሕ ግህሰትን ዓመጻትን ዝነበሮ ምንባሩ ኣብቲ ቤት ማእሰርት ካብ መሉእ ኣፍርቃ ዝመጹ ካብ ክልተ ስጋብ ሰለስተ ሽሕ ዝበጽሑ እሱራት ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይገልጽ።"
ድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኡ፡ካልእ ፈተነ ኣካየደ።ሰሊጥዎ ድማ ንዓወት በቅዐ።ይኹን’ምበር ኣብ ጒዕዞ ሓሙሽተ ካብ ኣዕሩኽቱ፡ኣብ ባሕሪ ጠሊቆም ኢዮም።ድሕሪ ኣውሮጳ ምብጽሑ፡ኣብ ዓዲ-ጥልያን ንዝርከብ ማእከል መዕረፊ ስደተኛታት ብምግዳፍ፡ብመንገዲ ፈረንሳ ኣቢሉ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ(ዓዲ እንግሊዝ) ንምእታው ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነ ፡ኣብ ዶባታ ፈረንሳ ተዓግተ። ቀጺሉ ናብ ስዊዘርላንድ እኳ እንተኸደ፡ተኣሲሩ ናብ ጥልያን ክምለስ ኢዩ ተገዲዱ።
ሕጂ ግን ሕጋዊ መስርሕ ንኽሕሉን ኣመልኪትዎ ዘሎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዝውሃቦ መልሲ ብትዕግስቲ ክጽበ ወሲኑ ኣሎ።ኣብ 2017 ድማ ብመንገዲ ናይ ኣውሮጳ ዳግማይ ናይ ምምምዳብ መሰርሕ ውጥን ፡ኣብ ጀርመን ዑቕባ ተዋሂብዎ ኣሎ።ክንደይ ካብ ኣዕሩኽቱ ድማ ናብቲ ናይ ኤመግረሽን መስርሕ ንምእታው ዓቕሎም ከምዝጸበቦምን፡ብዘይሕጋዊ መስርሕ ካብን ናብን ሃገራት ንኽነብሩ ከርተት ይብሉ ምህላዎም የዘኻኽር።
“ኩሉ ግዜ ሕጋዊ መስርሕ ምኽትታል፡ኣብ ህይወት ሓጋዚ ኢዩ።ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ጥልያን ዝሃደሙን ካብ ባቡር ዝኾብለሉን ኣለዉ።ጀርመን በጺሖም እኳ እንተለዉ፡ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን።ኣብ ማእከላት መቀበሊ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ቀንፈዘው ክብሉን ንሽግራት ክቃልዑን ይርአዩ ኣለዉ።ስለ’ዚ ኣነ እቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝወሰደ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ጥልያን፡ብዙሕ ከምዝሓገዘኒ ክሕብር እደሊ።”