ታሪኽ መርሃዊት
ሙቐት ዝመልኦ ኣጋምሸት እዩ ነይሩ ኣብ ከተማ ሚላኖ፡ ሃገር ጣልያን። እታ 20 ዓመት ዝዕድመኣ መርሃዊት ምስቲ ጽሙእ ገጻ ተረቢሻ ነበረት። ጎረሮኣ ላሕቲቱ ንነዊሕ ግዜ መግቢ ዝረኸበት ኣይትመስልን። ካብ ባሕሪ ብወትሃደራት ጣልያን ምስ ደሓነት ኣብ ሃገር ጣልያን ሽድሽተ መዓልቲ ጥራይ እያ ገይራ፡ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ከኣ ምስ ሓዋ ንምርኻብ ናብታ ናብ ስዊሰርላንድ እትኸይድ ባቡር ክትስቀል መደብ ኣለዋ። እዚ ምናልባት ናይ መወዳእታ መገሻኣ ኪኸውን ይኽእል። ዝሓለፈ ጕዕዞኣ ጣዕሳ ዝመልኦ ብህይወታ ክትሓልፎ ተስፋ ዘይነበሮ እዩ ነይሩ።
መርሃዊት ካብ ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊራ እያ ኣብቲ UNHCR ናይ መዓስከር ስደተኛታት እተመዝገበት። ከምቶም ካልኦት ናብ ኤውሮጳ ኪብጽሑ ዚደልዩ ድሕሪ ሰሙን ናብ ሱዳን ተበጊሳ። ይኹንምበር ናብ ሱዳን ምስ ተሳገረት ተታሒዛ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሻጋራብ ተወሲዳ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ድማ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ንካርቱም ገጻ ተጓዒዛ።
ንኻርቱም ክትጓዓዝ ከላ ንስክላ እያ ካብቶም ጨወይቲ በደዊን ራሻይዳ ዘምለጠት። ብድሕርዚ ካብቶም ምስኣ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ 30 በቶም ጨወይቲ ከም እተታሕዙ ክትፈልጥ ክኢላ።
መርሃዊት ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገበረቶ ጸብጻብ ጕዕዞ ንስማዕ።
