ኢብራሂም ኣብ ኢትዮያ ከም ሓታቲ ዑቅባ ይነብር ነበረ። ኩነታት ናብራ ግን ከበዶም፣ ተስፋ ብሙቅራጽ ግን ናብ ስደት ከምበሓድሽ ክበገሱ ወሰኑ። ኢብራሂም ስራሕ ክረብየ ብዝብል መደብ ናብ ሱዳን ድማ ኣምርሑ። ኣቲ ጉዕዞ ግን ዘይሕጋዊ ብምንባሩ ከቢድ ነበረ፡ ሰባት ሂወቶትን ሞትን ብደለልቲ ሰብ ይውሰን ከምዝነበረ ኢብግራሂም የዘንትዉ። ኢብራሂም ኣብ ኢትዮያ ከም ሓታቲ ዑቅባ ስደተኛ ይነብር ነበረ። ኩነታት ናብራ ግን ከበዶም፣ ተስፋ ብሙቅራጽ ግን ናብ ስደት ከምበሓድሽ ክበገሱ ወሰኑ። ኢብራሂም ስራሕ ክረብየ ብዝብል መደብ ናብ ሱዳን ድማ ኣምርሑ። ኣቲ ጉዕዞ ግን ዘይሕጋዊ ብምንባሩ ከቢድ ነበረ፡ ሰባት ሂወቶትን ሞትን ብደለልቲ ሰብ ይውሰን ከምዝነበረ ኢብግራሂም የዘንትዉ።
“ ኣቶም ደለልቲ ኣብ ሕጃር ምስ በጻሕና ክንከፍሎም ከምዘለና ነገሩና። እቶም ዘይከፍሉ ድማ ንድሕሪ ከምዝገድፉዎም ወይ ንራሻይዳ ደለቲ ሰብ ክንሽየት ምዃናኹም እንዳ ብሉ ኣፋራርሑና። “
ኩነታት ናብራ ኣብ ሱዳን ካብ ናይ ኢትዮፕያ ዝበለጸ ኮይኑ ኣይጸንሖን። ስርሑ ከም ቀምቃማይን ኮይኑ ይሰርሕ ነበረ። ጸኒሓ ሰበይቱ ድማ ካብ ኤርትራ ኣርከበቶ። ኣብ ሱዳን ክነብሩ ድሕሪ ምፍታኖም ኣንደገና ተስፋ ብሙቅራጽ ጉዕዞኦም ናብ ኤወሮፓ ብመገዲ ሊብያ ከምርሑ ወሰኑ።ኢብራሂም ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ንደለልቲ ሰምሰርትን ከሰጋግሩዎም ክሓትት ጀመረ።
ድሕሪ ሓጺር ግዜእቶም ደለልቲ ካብ ካርቱም ናብ መሰጋገሪ ቦታ ኣብ ማእከል ምድረበዳ ሰሃራ ወሰዱዎም። ንነዊሕ ግዘ ድማ ኣብኡ ክጸንሑ ተገደዱ። ብዙሓት ሰባት ሃሳዪ ስቅያት ኣብ ነብሶም ወሪድዎም ኢብራሂም ብራዕዲ ረኣየ።
“እቶም ሰምሰርቲ ንሰብ ብጣዕሚ የጋፍዑ ነበሩ። ብሕልፊ ንሰብት ሰብ ኮይና ኣይንረኣዮምን ኢና። ገለ ካባና ብበትሪ ኾነ ብኹርማጅ ቀጻሊ ይቅጥቀጡ ነበሩ።”
ድሕሪ ክንደይ ስቃይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ምስ በጽሑ ናብ ኤውሮፓ ክትወስዶም ዝነበራ መርከብ ገዲፋቶም ከምተበገሰት ተነገሩ። ንሰለስተ ኣዋርሕ ክጽበዩ ተገደዱ። ብሰንኪ ሕጽረት ማይን ጽረትን ሓሳሲን ሕማም ቆርበትን ካልእን ክሕሙ ጀመሩ፡ክልተ ሰባት ድማ ሞትዎም። ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣስዒቡ ጃልባ ተረኸበት። ኢብራሂም ዕድል ገሩ ኣብታ መርከብ ደየበ። መራኽብ ገበርቲ ሰናይ ምስ ኣድሓኑቶም ሰበይቱ ኣብታ ጃልባ ከምዘይነበረት ብስንባደ ተገንዘበ።
“ኣብ ባሕሪ ዝጠሓለት መሲሉኒ ድማ ሓዚነ ናብሰይ ከትፍ ፈቲነ፡ ሳላ የዕሩኽተይ ግን ደሒነ። ኣስዒበ ኣብ ላምፐዱሳ ምስወረድና ተስፋ ዝህብ ዜና ረኺበ፥ ሰበይቱ ብሂወታ ከምዘላን ምስቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ልብያ ዝተረፈት ምዃና ተነጊረ።”
ምስ ሰበይቱ ብሰላም ቅድሚ ምትሕቁቃፎም ግን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክሓልፍ እዩ። ናታ ኣሰጋግራ ባሕሪ ውን ከቢድን ሓደገኛ ነበረ። ሞቶር ናይታ ጃልባ ተሰቢሩ በታ ካልኣይቲ ጃልባ ተሳሒቦም ኢዮም ናብ ድሕነት በጺሖም። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ንሰበቱ ኣብ ሮማ ክረኽባ ክኢሉ።