
ርኣይ
ንተምሃራይ ስደተኛ ሕልሚ:ጋህዲ ክኸውን ከሎ!!
መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ጸሊኡ ካብ ሃገሩ ኤርትራ ኵአጽእ እንከሎ፡ ዮናስ፡ ትምህርቱ ክቕጽልን ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤውሮጳ ክመሃርን ይሓስብ ነበረ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ስደተኛ ኬንካ ግና፡ እዚ ሕልሚ ኣዚ ፍጹም ዘይከኣል መሰለ። ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ትካል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ዝተደገፈ ውጥን ዕድል ትምህርቲ- ስኮላርሺፕ ግና ነዚ ዘይከእል ዝመስል ሕልሚ ናብ ኵዉን ቀየሮ።