ርኣይ ዛንታ ዓወት፣ምሕጋዝ ህጻናት ኣብ ጉዕዞ ዓወት ምስ ደለልቲ ድሕሪ ምዝርራብ ብመንገዲ ሱዳን፣ ሊብያ ኣቢሉ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቝ ንምጉዓዝ ከምዝተዳለወን ብኸመይ ኩነታት ናብ ኣውሮጳ ከምዝበጸሐ ኣብዛ ቪድዮ የዕልል። ኣብ ካርቱም ብዙሓት ኤርትራውያን ህጻናትን በጽሕታትን ኣብ ጉዕዞ ምስ ርአየ ኣዝዩ ስለዝሰንበደ ሓላፍነት ወሲዱ ከምዝሓገዞምውን ይዛረብ። መሉእ ታሪኹ ንስማዕ።
ርኣይ ናይ ሰላም ጉዕዞ ካብ ሱዳን ናብ ፈረንሳይ ሰላም ጋል 18 ዓመት ምስኮነት እያ ስደት ጉዕዞ ጀሚራቶ። ካብ ኤርትራ ብ 2010 ወጺኣ፤ ብድሕሪኡውን ምስ ኣዲኣን የሕዋታ ትቕመጥ ኔራ። ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ተቀሚጣ።ኣብ ሱዳን እቲ ኩነታት እንዳ ከበዳ ከይዱ። መንግስቲ ሱዳንዉን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ምእሳር ስለዝጀመረ፤ ሰላም ክትማሃርን ክትሰርሕን ኣይከኣለትን። ማእሰርቲ ስለዝፈረሐት ድማ፤ ንስድራኣ ከይነገረት ካብ ሱዳን ክትወጽእ ወሲና።
ርኣይ ልዋም ዘይተጸበየቶ ተረክቦ ልዋም ኣብ ሰነ 2014 ጋል 16 ዓመት ከላ ፤ አያ አቲ ዘይሕጋዊ ጉዑዞ ጀሚራቶ። መብዛሕቶኣም ደቂ ቤትትምህርታ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ይወጹ ስለዝነበሩ፤ ኣብ ትምህርቲ ኪተድህብ ኣይከኣለቲን። ቤትትምህርቲ ክትከይድ ከላ፤ ኣዲኣ ጋለይ ካብ ቤትምህርቲ ትምለስ ዶ ትኸውን ወይ ዶብ ትሰግር ዚብል ሻቕሎት ኔርዋ።
ርኣይ ዛንታ ሽሻይ-ዛንታ ጭውያን፡ማእሰርቲን፡ማህረምቲን፡መሸጣ ሺሻይ ብመገዲ ሊብያ ኣቢሉ እንዳተጋዕዘ ከሎ፤ ተጨውዩን ተኣሲሩን ተሸይጡን ተቀጥቂጡን'ዩ። ዛንትኡ ንከታተል።
ርኣይ ዛንታ ነሽ-ነሽ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸተል "ኩሉ ግዜ ሕጋዊ መስርሕ ምኽትታል፡ኣብ ህይወት ሓጋዚ ኢዩ።ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ጥልያን ዝሃደሙን ካብ ባቡር ዝኾብለሉን ኣለዉ።ጀርመን በጺሖም እኳ እንተለዉ፡ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን።ኣብ ማእከላት መቀበሊ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ቀንፈዘው ክብሉን ንሽግራት ክቃልዑን ይርአዩ ኣለዉ።ስለ’ዚ ኣነ እቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝወሰደ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ጥልያን፡ብዙሕ ከምዝሓገዘኒ ክሕብር እደሊ።” ብተወሳዅን ቡዙሓት ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ክንዲ ምጽባይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እዳኸዱ ግዜ ከምዝጥፍኡን ይዛረብ።
ስማዕ ዛንታ ራህዋ ጓል 15 ዓመት ራህዋ፡ ነቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞ ብ2015’ያ ተበጊሳትሉ። ነቲ ጕዕዞ ናይ ምውሳድ ውሳኔ ብዘይ ኣፍልጦ ወለዳ ምስ መሓዙታ ኰይና’ያ ፈጺማቶ።
ርኣይ ዛንታ ኣማን፥ ጭውየት ኣብ ሊብያ ደለልቲ ከፊሉ ናብ ኤውሮፓ ክብገስ ከሎ ጉዕዞ ምድረበዳ ሓጺርን ቐሊልን ምዃኑ ከይሻከል ኣእሚኖሞ። ጉዕዞ ምስ ጀመረ ግን ከም ኣንስሳ ሰባኣእነቶም ከምዝተቀንጠጠ የዘንትዉ።
ርኣይ ዛንታ ኢብራሂም፥ ምፍልላይ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ኢብራሂም ኣብ ኢትዮያ ከም ሓታቲ ዑቅባ ይነብር ስደተኛነበረ። ኩነታት ናብራ ግን ከበዶም፣ ተስፋ ብሙቅራጽ ግን ናብ ስደት ከምበሓድሽ ክበገሱ ወሰኑ። ኢብራሂም ስራሕ ክረብየ ብዝብል መደብ ናብ ሱዳን ድማ ኣምርሑ። ኣቲ ጉዕዞ ግን ዘይሕጋዊ ብምንባሩ ከቢድ ነበረ፡ ሰባት ሂወቶትን ሞትን ብደለልቲ ሰብ ይውሰን ከምዝነበረ ኢብግራሂም የዘንትዉ።
ርኣይ ዛንታ ተኽለ፥ ኣብ ኢድ ዳዐሽ (ኣይሲስ) ተኽለ ኣብ ኤርትራ ትወሊዱ ኣብዩ። ሎሚ ግን ተሰዲዱ ከም ዑቅበኛ ኣብ ፈረንሳ ይቁመጥ። ኣብቲ ምሳና ዘካየዶ ቃለመጠየቅ ብዛዕባ ዘስካሕክሕ ጉዕዞ ኢዩ ዘዕልል።
ርኣይ ኣዳልን ሓዉን ኣዳል ንጉሰ፡ ነቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞኡ ናብ ኤውሮጳ ብ2002’ዩ ጀሚሩዎ። ጕዕዞኡ ካብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን እትርከብ ከሰላ እትበሃ ንእሽቶ ከተማ ብምጅማር፡ ናብ ኻርቱም ቀጺሉ። እቲ እዋን’ቲ፡ እቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞ ብመገዲ ሊብያ ህቡብነት ከጥሪ ዝጀመረሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።
ርኣይ ትራጀዲን ሞትን ኤርትራዊ ስደተኛ ዮናስ፣ሓደ መዓልቲ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ተስፋ ኣለዎ።ከምብዙሓት ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ብምኻድ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንኣርባዕተ ዓመታት ተቐሚጡ።ብሰንኪ ኣጸጋሚ ህይወትን ቀጻሊ ውሕስነታት ምስኣን፣ ናብቲ ንቖልዑን ዓበይቲን ሕሰም ከጋንፎም ከሎ ፣ ብዓይኑ ዝረኣዮ ኣዚዩ ሓደገኛ፣ ዝኾነ ጉዕዞ ናብ ኤውሮፖ ክብገስ እዩ ወሲኑ።
ርኣይ ናይ መርሃዊት ተዘክሮታት መርሃዊት ካብ ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊራ እያ ኣብቲ UNHCR ናይ መዓስከር ስደተኛታት እተመዝገበት። ከምቶም ካልኦት ናብ ኤውሮጳ ኪብጽሑ ዚደልዩ ድሕሪ ሰሙን ናብ ሱዳን ተበጊሳ።