ዳኒኤል፡ ኣብ 2015 ናብ ሃገረ ሽወደን ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ እዩ። ካብታ ዝኣተወላ ዕለት ኣትሒዙ ድማ ንመረዳድኢ ዝዀኖ ቋንቋ ሽወደን ከይተማህረ ናብ ዝበጽሖ ከምዘይብሉ ብዝግባእ ተገንዚቡ ነበረ። ብዙሓት ካብ መማጽእቱ ስደተኛታት፡ ነዚ መሰረታዊ ክእለት ቋንቋ ዕሽሽ ክብልዎን፡ ብዘለዎም ምልከት ቋንቋ እንግሊዘኛ ተጠቕሞም ክሰርሑ ከም ዝኽእሉን፡ ምስቲ ዂሉ ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ ዘሕለፍዎ ከቢድ ጒዕዞን ዝሃለኽዎን ብምግንዛብ ድማ፡ ‘ሕጂ ሓንጐልና ሓዲሽ ቋንቋ ክቕበል ዓቕሚ የብሉን’ ናብ ዝብል መደምደምታ ክበጽሑ ዓዚቡ’ዩ።
“እቶም ብኸምዚ ዓይነት ጒዕዞ ዝሓልፉ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዝገጥሞም። የግዳስ፡ ዋላ ናብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምስ በጽሑ እውን ንዝያዳ ብድሆታት ነብሶም ከዳልውዋ ኣለዎም። ድሕሪ እቲ ብዙሕ ዝሓለፍዎ ጸገማት፡ ሓደ ካልእ ዘይተጸበዎ ሽግር እውን ይገጥሞም’ዩ”
“ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰደልካ ብዘየገድስ፡ ትምህርቲ ግን እቲ እንኰ መፍትሒ እዩ። ሰባት መስዋእቲ ክኸፍሉን፡ ኲሉ ገዲፎም ድማ ቋንቋ [ሽወደን] ክመሃሩ ይግብኦም። በዚ መንገዲ ጥራይ ድማ እዮም ንባዕሎም ህይወቶም ኣመሓይሾም ንስድራ-ቤታቶም ከኣ ክሕግዙ ዝኽእሉ”
ዳኒኤል ኣዝዩ ጻዕራም ኰይኑ፡ ምስ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ንኽወሃሃድ ድማ፡ ብኣጋ፡ ዝከኣሎ ተነግሶ ዝወሰደ ሰብ እዩ። ቋንቋ ኣጽኒዑ፤ ባህልን ልምድን ናይዛ ሃገር ፈሊጡ፡ ኣብ ከም ቤተ-ክርስትያናትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝካየዱ ንጥፈታት እውን ይሳተፍ። ብውሕዱ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ግዜ፡ ብሰንኪ ምስ ሕብረተ-ሰብ ክወሃሃዱ ዘይምኽኣሎም፡ ኣብ መማጽእቱ ስደተኛታት ዘሎ ጭንቀትን ስግኣትን እውን ይርድኦ እዩ። ነቶም ቀሊል ህይወት ጥራይ ተጸብዮም ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ መሳድድቱ ግን ንኽጻወሮም እውን የጸግሞ’ዩ።
“ምጽእ ምስ በሉ፡ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ግዜ፡ ጽቡቕ ዝኽፈልሉ ስራሕ ክረኽቡን፡ ንባዕሎም ብኽልተ-እግሮም ደው ኢሎም ንስድራ-ቤታቶም ክሕግዙ ይሓስቡ። እቲ ሓቂ ግን፡ ብኣንጻሩ ስራሕ ንኽትረክብ ቀሊል ዘይምዃኑን፡ ብኽልተ እግርኻ ጠጠው ክትብል ቅድሚ ምኽኣልካ እውን ነዊሕ ክትሓልፎ ዘለካ መስርሕ ኣሎ”
“ምጽእ ምስ በሉ፡ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ግዜ፡ ጽቡቕ ዝኽፈልሉ ስራሕ ክረኽቡን፡ ንባዕሎም ብኽልተ-እግሮም ደው ኢሎም ንስድራ-ቤታቶም ክሕግዙ ይሓስቡ። እቲ ሓቂ ግን፡ ብኣንጻሩ ስራሕ ንኽትረክብ ቀሊል ዘይምዃኑን፡ ብኽልተ እግርኻ ጠጠው ክትብል ቅድሚ ምኽኣልካ እውን ነዊሕ ክትሓልፎ ዘለካ መስርሕ ኣሎ”