ርኣይ ናይ ዓብድልራሒም ጕዕዞ ዓብድልራሒም፡ ናብ ኤውሮጳ ዝዓለመ ዘይስሩዕ ጕዕዞኡ ብ2014 እዩ ጀሚሩዎ። ዋላ’ኳ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ጕዕዞታት ዘኸትልዎ ሓደጋታት ይፈልጦ እንተ ነበረ፡ ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ብዓወት ዝኣትዉ ክኸውን ብምትስፋው ብህይወቱ ክጣላዕ ቅሩብ’ዩ ነይሩ።
ርኣይ ጉዕዞ ዮሃንስ-ዘይርሳዕ ፈተነ ከም ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዮሃንስ መጀመርያ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዕቝባ ሓቲቱ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓደ መዓከር ስደተኛታት ይቕመጥ ነይሩ። ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኪምሃር ዕድል ረኺቡ። ቀንዲ ትምህርቱ ቢዚነስ ማነጅመንት እዩ ነይሩ። ምስ ተመረቐ ግን ከም ስደተኛ ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን፡ ስለዚ ናብቲ መዓስከር ክምለስ ተገዲዱ፡ ኣብኡ ድማ ዓመት ተቐሚጡ። ግን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ንኤውሮጳ ኪጎዓዝ ወሲኑ።
ርኣይ ዛንታ ዘርአጋብር – ኣብ ኢድ ሰምሰርቲ ዘርአጋብር ካብ ሲኦል ድሒኑ ዛንታኡ ክጸዊ ዝበቕዐ ሰብ እዩ፡፡ ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ ብተደጋጋሚ ጥቓ ሞት ቀሪቡስ ብህይወቱ ወጺኡ፡፡ ኣብቲ ምድረበዳ ብህይወት ንኽቕጽል ሽንቱ ሰትዩ፤ ሰባት ብጽምኢ፤ጥሜት፤ መውጋእቲ ጥይት ከምኡውን ሰምሰርቲ ብዘውረዱሎም ማህረምቲ ክሞቱ ተዓዚቡ፡፡ ብጾቱ ብመካይን ስሚንቶ ክጭፍለቑ፤ ደቀንስትዮ ድማ ብተደጋጋሚ በቶም ሰምሰርቲ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጸመን ርእዩ፡፡
ርኣይ ስቃይ ፊልሞን-ጭውያን ምስቓይን ቅድሚ ምጭዋየይ ናብ ኤውሮፓ ይኹን ኣሜሪካ ናይ ምኻድ ድልየት ኣይነበረንን ይብል ፊልሞን. ስርሐይ ኢልክትሮኒክስ ምዕራይን ኣብ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጅን ስለዝነበረ በዚ ሞያይ ኣብ ኡጋንዳ ወይ ኣንጎላ ክሰርሕ እዩ ኔሩ ድልየተይ።
ርኣይ ዛንታ ፈይሰል ብጽምዋን ጭንቀትን ዝሳቐ መንእሰይ! ፈይሰል ቅድሚ ሕጊ ጥሒሱ ምብራሩ ኣብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ምስ ስድራኡ ይቕመጥ ኔሩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ምስ ተቐመጠ ግና ኣብ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ ጉዕዞ ናብ ኣወሮጳ ተተሓሓዞ፡፡
ርኣይ ዛንታ ኪሮስ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝተጠርነፈት ስድራ እዛ ዛንታ ኪሮስ ን 3ዓመት ምስ ስድራቤቱ ብኸመይ ኩነተት ከምዝተፈላለየን፤ ኣብ መወዳእተ ምስ ስድራቤቱ ብ UNHCR ሓገዝ ኣብ ፈረንሳይ ከምዝተጠርነፈ ተዘንትውያ።
ርኣይ ዛንታ ዓወት፣ምሕጋዝ ህጻናት ኣብ ጉዕዞ ዓወት ምስ ደለልቲ ድሕሪ ምዝርራብ ብመንገዲ ሱዳን፣ ሊብያ ኣቢሉ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቝ ንምጉዓዝ ከምዝተዳለወን ብኸመይ ኩነታት ናብ ኣውሮጳ ከምዝበጸሐ ኣብዛ ቪድዮ የዕልል። ኣብ ካርቱም ብዙሓት ኤርትራውያን ህጻናትን በጽሕታትን ኣብ ጉዕዞ ምስ ርአየ ኣዝዩ ስለዝሰንበደ ሓላፍነት ወሲዱ ከምዝሓገዞምውን ይዛረብ። መሉእ ታሪኹ ንስማዕ።
ርኣይ ናይ ሰላም ጉዕዞ ካብ ሱዳን ናብ ፈረንሳይ ሰላም ጋል 18 ዓመት ምስኮነት እያ ስደት ጉዕዞ ጀሚራቶ። ካብ ኤርትራ ብ 2010 ወጺኣ፤ ብድሕሪኡውን ምስ ኣዲኣን የሕዋታ ትቕመጥ ኔራ። ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ተቀሚጣ።ኣብ ሱዳን እቲ ኩነታት እንዳ ከበዳ ከይዱ። መንግስቲ ሱዳንዉን ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ምእሳር ስለዝጀመረ፤ ሰላም ክትማሃርን ክትሰርሕን ኣይከኣለትን። ማእሰርቲ ስለዝፈረሐት ድማ፤ ንስድራኣ ከይነገረት ካብ ሱዳን ክትወጽእ ወሲና።
ርኣይ ልዋም ዘይተጸበየቶ ተረክቦ ልዋም ኣብ ሰነ 2014 ጋል 16 ዓመት ከላ ፤ አያ አቲ ዘይሕጋዊ ጉዑዞ ጀሚራቶ። መብዛሕቶኣም ደቂ ቤትትምህርታ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ይወጹ ስለዝነበሩ፤ ኣብ ትምህርቲ ኪተድህብ ኣይከኣለቲን። ቤትትምህርቲ ክትከይድ ከላ፤ ኣዲኣ ጋለይ ካብ ቤትምህርቲ ትምለስ ዶ ትኸውን ወይ ዶብ ትሰግር ዚብል ሻቕሎት ኔርዋ።
ርኣይ ዛንታ ሽሻይ-ዛንታ ጭውያን፡ማእሰርቲን፡ማህረምቲን፡መሸጣ ሺሻይ ብመገዲ ሊብያ ኣቢሉ እንዳተጋዕዘ ከሎ፤ ተጨውዩን ተኣሲሩን ተሸይጡን ተቀጥቂጡን'ዩ። ዛንትኡ ንከታተል።
ርኣይ ዛንታ ነሽ-ነሽ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸተል "ኩሉ ግዜ ሕጋዊ መስርሕ ምኽትታል፡ኣብ ህይወት ሓጋዚ ኢዩ።ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ጥልያን ዝሃደሙን ካብ ባቡር ዝኾብለሉን ኣለዉ።ጀርመን በጺሖም እኳ እንተለዉ፡ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን።ኣብ ማእከላት መቀበሊ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ቀንፈዘው ክብሉን ንሽግራት ክቃልዑን ይርአዩ ኣለዉ።ስለ’ዚ ኣነ እቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝወሰደ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ጥልያን፡ብዙሕ ከምዝሓገዘኒ ክሕብር እደሊ።” ብተወሳዅን ቡዙሓት ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ክንዲ ምጽባይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እዳኸዱ ግዜ ከምዝጥፍኡን ይዛረብ።
ስማዕ ዛንታ ራህዋ ጓል 15 ዓመት ራህዋ፡ ነቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞ ብ2015’ያ ተበጊሳትሉ። ነቲ ጕዕዞ ናይ ምውሳድ ውሳኔ ብዘይ ኣፍልጦ ወለዳ ምስ መሓዙታ ኰይና’ያ ፈጺማቶ።