ዓወት ኣብ ኤርትራ ብ 2008 ኢዩ ወጺኡ። ክሳብ 2015 ናብ ኣውሮጳ ክጉዓዝ ምውሳኑ ዱማ ፣ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሕሊፍዎ። ምስ ደለልቲ ድሕሪ ምዝርራብ ድማ ብመንገዲ ሱዳን፣ ሊብያ ኣቢሉ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቝ ንምጉዓዝ ተዳለወ። ኣብ ካርቱም ብዙሓት ኤርትራውያን ህጻናትን በጽሕታትን ኣብ ጉዕዞ ምስ ርአየ ኣዝዩ ሰንበደ።ንሳቶም ዝጠፍኡን ሓጋዚዘይብሎምን ይመስሉ ነይሮም።
“ኣብ 2008 ዝርአኽዋን ዝፈልጣን ሱዳን፣ ምስታ ኣብ 2015 ዝርእያ ዘለኹ ሱዳን ዝተፈላለያ እየን።ብዛዕባ እዞም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከቢድ ኩነታት ዘጋጥሞም ዘሎን ሕማቕ ህይወት ዘሕልፉ ዘለዉን ንኣሽቱ ኤርትራውያን’የ ዝዛረብ ዘለኹ። ብዙሓት ዕድሚኦም 15, 14 ከም’ኡ ድማ 13 ኢዮም።''
ዓወት ካልኦት ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ካብ’ታ ኣብ ኤርትራ ዝቕመጠላ ዝነበረ ንእሽቶ ከተማ’ውን ናብ ኣውሮጳ ክኸዱ ዝፍትኑ ረኺቡ ኢዩ። ሓላፍነት ናይዞም ትሕቲ ዕድመ ክሰከምን ኣብ እዋን ጉዕዞ ክሕግዞምን ድማ ንነብሱ ኣእመና።
“ምሳይ ኣምጺኤዮም። ክብድ ዝበለ ኲነታት ኢዩ ነይሩ።ምኽንያቱ ናይ ኩሎም ሓላፍነት ክወስድ ነይሩኒ። ስደተኛ ምዃን ፣እንታይ ምዃኑ፧ ብግቡእ ዝርዳእን ብዕድመ ድማ ዝዓበኹን ኣነ’የ ነይረ። ኣዝዩ ዓቢ ሰኸም ነይሩ።”
ዓወት ኣብ ጉዕዞ ሓደ ዘሰምብድ ዜና ሰምዐ።እቲ ሕማቕ ስማዕ ናይ ቀረባ ዓርኩ ብመንገዲ ሊብያ ክጉዓዝ ዝጸንሐ ፣ብእስላማዊ ጉጅለ ግብረሽበራ (ዳዕሽ )ተታሒዙ ከምዝተሰየፈ ዝሕብር ነበረ።ኩሎም እቶም ኣብ ጉዕዞ ምስ ዓወት ዝነበሩ በዚ ስማዕ ርዓዱ። ኣቦን ሓብትን ዓወት ደዊሎም ጉዕዝኡ ከቋርጾን ናብ ካርቱም ክምለስን ተማሕጸንዎ።ዓወት ኣብ ዓምዩቕ መዋጥር ተሸመ።
“ነፍሲወከፍ ሰብ ፈሪሑ ነይሩ፣ዋላ ኣነ። ተስፋ ቆሪጸ ነይረ።ክልተ ኣማራጺ ነይሩና። ክንሃድም ወይ ክንሕባእ ተክእሎታት ነይሩ ኢዩ። ግን ናይዞም ቆልዑ ሓላፍነት ኣብ ዝባነይ ብምንባሩ፣ ንዓይ ከቢድ ነይሩ።እንድሕር ኣነ ጎየ፣እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ቆልዑ ዝኾነ እንተኣጋጢሙ፣ሳዕቤኑ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።ኣብ ገጾም ናይ ምፍልላይን ተስፋምቁራጽን ኩነት ርአኹ።“
ዓወት ነዞም ቆልዑ ክገድፎም ከምዘይክእል ተገንዚቡ፣ጉዕዝኡ ምስኦም ክቕጽል ወሰነ። ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። ብግብረሽበራውያን ኣይተታሕዙን፣ግን ድማ ብካልኦት ዑጥቃት ወተሃደራት ሊብያ፣ዝብላዕ ኣብ ዘይረኽብሉ መጽንሒ ቦታ ተታሕዙ። እቶም ዑጥቃት ወተሃደራት ኣዝዮም ጨካናት ነይሮም። ዓወት ንሓንቲ ጥንስቲ ሰበይቲ ክትህረምን ብሕማቕ ክትታሓዝን ተዓዘበ። “ከምዚ ዓይነት ጭካነን ጥሕሰት ሕግን ፍጽም ኣብ ምሉእ ህይወተይ ርእየ ኣይፈልጥን “ክብል መስከረ።
መወዳእታ ኾይኑ ካብቶም ዑጥቃት ምስ ወጹ፣ናብ ገማግም ባሕሪ ኢዮም ተወሲዶም። ብድምር 500 ሰባት ኮይኖም ድማ ናብ ሓንቲ ጃልባ ደየቡ። 5 ስዓታት ኣብ ባሕሪ ተጓዒዞም ኣለዉ።ሞተረ ናይታ ጃልባ ተበላሽ’ዩ።ጃልባ ክትጥሕል ጀመረት።ናብ ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ክድውሉ ብምክኣሎም ፣ሓንቲ መርከብ ጀርመን መጽያ ኣድሓነቶም።