ርኣይ
ጉዕዞ ዮሃንስ-ዘይርሳዕ ፈተነ
ከም ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዮሃንስ መጀመርያ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዕቝባ ሓቲቱ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓደ መዓከር ስደተኛታት ይቕመጥ ነይሩ። ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኪምሃር ዕድል ረኺቡ። ቀንዲ ትምህርቱ ቢዚነስ ማነጅመንት እዩ ነይሩ። ምስ ተመረቐ ግን ከም ስደተኛ ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን፡ ስለዚ ናብቲ መዓስከር ክምለስ ተገዲዱ፡ ኣብኡ ድማ ዓመት ተቐሚጡ። ግን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ንኤውሮጳ ኪጎዓዝ ወሲኑ።