
ርኣይ
ዛንታ ነሽ-ነሽ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸተል
"ኩሉ ግዜ ሕጋዊ መስርሕ ምኽትታል፡ኣብ ህይወት ሓጋዚ ኢዩ።ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ጥልያን ዝሃደሙን ካብ ባቡር ዝኾብለሉን ኣለዉ።ጀርመን በጺሖም እኳ እንተለዉ፡ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን።ኣብ ማእከላት መቀበሊ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ቀንፈዘው ክብሉን ንሽግራት ክቃልዑን ይርአዩ ኣለዉ።ስለ’ዚ ኣነ እቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝወሰደ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ጥልያን፡ብዙሕ ከምዝሓገዘኒ ክሕብር እደሊ።” ብተወሳዅን ቡዙሓት ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ክንዲ ምጽባይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እዳኸዱ ግዜ ከምዝጥፍኡን ይዛረብ።