ርኣይ ስቃይ ፊልሞን-ጭውያን ምስቓይን ቅድሚ ምጭዋየይ ናብ ኤውሮፓ ይኹን ኣሜሪካ ናይ ምኻድ ድልየት ኣይነበረንን ይብል ፊልሞን. ስርሐይ ኢልክትሮኒክስ ምዕራይን ኣብ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጅን ስለዝነበረ በዚ ሞያይ ኣብ ኡጋንዳ ወይ ኣንጎላ ክሰርሕ እዩ ኔሩ ድልየተይ።
ርኣይ ኣዳልን ሓዉን ኣዳል ንጉሰ፡ ነቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞኡ ናብ ኤውሮጳ ብ2002’ዩ ጀሚሩዎ። ጕዕዞኡ ካብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን እትርከብ ከሰላ እትበሃ ንእሽቶ ከተማ ብምጅማር፡ ናብ ኻርቱም ቀጺሉ። እቲ እዋን’ቲ፡ እቲ ዘይስሩዕ ጕዕዞ ብመገዲ ሊብያ ህቡብነት ከጥሪ ዝጀመረሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።