ናይ ዓብድልራሒም ጕዕዞ
ዓብድልራሒም፡ ናብ ኤውሮጳ ዝዓለመ ዘይስሩዕ ጕዕዞኡ ብ2014 እዩ ጀሚሩዎ። ዋላ’ኳ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ጕዕዞታት ዘኸትልዎ ሓደጋታት ይፈልጦ እንተ ነበረ፡ ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ብዓወት ዝኣትዉ ክኸውን ብምትስፋው ብህይወቱ ክጣላዕ ቅሩብ’ዩ ነይሩ።
“እቲ ዝበዝሐ ሰብ፡ ንቝጽሪ ናይ’ቶም ሓደጋታት ሰጊሮም ኣብ ውሑስ ቦታ ዝበጽሑ ሰባት’ዩ ዝርኢ፡” ይብል ንሱ።
ዓብደልራሒም፡ ናብቲ ብዙሕ መሰናኽላት ዝሕለፎ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዘእቱ መገዲ ብሓምለ 2014’ዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ጕዕዞ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝብሉዎ ዝዀነ ነገር ንኸይኣምን ተማሂሩ። እቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት፡ መጀመርያ ኣብ ዓበይቲ መራክብ ከሳፍሩዎም ምዃኖም’ኳ ንጊሮምዎም እንተ ነበሩ፡ ብዓል ዓብደልራሒም ካብ ዝንፋሕ ፕላስቲ ዝተሰርሓ ጃላቡ ንኽሳፈሩ’ዮም ተገዲዶም። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ትርቡሊ ኲናት ተጐሃሂሩ ብምንባሩ፡ ናብ’ተን ጃላቡ ምስፋር እቲ ኣንኮ ምርጫ ብምንባር፡ ዘስካሕክሕ ጕዕዞ ባሕሪ ሓንጐፋይ ኢሎም ዝተቐበሉዎ ኣማራጺ ኰነ።
“ሊብያ ኣብ ቅልውላው ኣትያ፡ ደብዳብ መዳፍዕ ይዘንብን ከም ብዓል ራፒጂ ተውንጨፍቲ ሮኬታት ይትኰሱ ነይሮም፡” ይብል ዓብደልራሒም። “ስለዚ፡ ዋላ ሓደ ንድሕሪት ዝጥምት ወይ ኣብኡ ክተርፍ ዝሓስብ ሰብ ኣይነበረን።”
ትረኻ ናይ ዓብደልራሒም ጕዕዞ ብመገዲ ሊብያ ኣብዚ ስምዑ

ዓብደልራሒም ምስ ካልኦት 500 ሰባት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ክጸዓን እንከሎ፡ እቲ ብዝሒ ሰብ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ዝበኣሰ ክገብሮ ምዃን’ዩ ብእዋኑ ዝበርሃሉ። ዕድል ብምግባሮም ግን፡ እታ ጃልባ ብዘይ ዝዀነ ኣጸጋሚ ተርእዮ ሃገረ ጣልያን ኣብጺሓቶም።
ሃገረ ጣልያን ምስበጸሐ፡ ዓብደልራሒም መገዱ ብምቕጻል ናብ ሃገረ እንግሊዝ ንኽኣቱ ክፍትን ወሲኑ። ዋላ’ኳ ብዛዕባ’ታ ሃገር ዝነበሮ ኣፍልጦ ውሱን እንተ ነበረ፡ ዝሓሹ ዕድላት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብቐሊሉ ክረክብ ገሚቱ። እንተዀነ፡ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ናይ ምእታው ፈተንኡ፡ ካብ ክግምቶ ዝኸኣለ ንላዕሊ ኣጸጋሚ ነይሩ።
“ባሕሪ ኣቋሪጽካ መጺእካስ፡ ተወሳኺ ካልእ ባሕሪ ንኸተቋርጽ ትግደድ። ካብቲ ቀዳማይ ጕዕዞ ንታሕቲ ዝብድህ ኣይነበረን፡” ይብል ንሱ።
ዓብደልራሒም፡ ንነብሱ ምስ ካልኦት ኣማኢት ስደተኛታት’ዩ ኣብ ናይ ፈረንሳ ወደባዊት ከተማ ካሌ ረኺቡዋ። ከምኡ ዓይነት ቦታ ኣብ ኤውሮጳ ክጸንሓካ ፍጹም ዘይሓሰቦ’ዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ሰባት ኣብ ቴንዳታት ይድቅሱን ነቲ ህይወት ድማ ካብ ናይ እንስሳ ዘገዳም ፈልዩ ኣይርእዮን። ምሸት-ምሸት፡ ዓብደልራሒም ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን፡ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ከብጽሓኦም ኣብ ዝኽእላ ናይ ጽዕነት መከይን ክሳፈሩ ይፍትኑ። ምስ ፖሊስ ውትሩ ይገራጨዉ፡ ብፖሊስ ይህረሙ፡ ሳሕቲ ድማ ዘንብዕ ጋዝ ይትኵስሎም።
ኣብዚ ዓብደልራሒም ብዛዕባ ኣብ ካሌ ዘሕለፎ ግዜ ይዛረብ
ድሕሪ ብዙህ ዘይዕዉታት ፈተነታት፡ ዓብደልራሒም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዓወት በጺሑ። ንሱ፡ ብዛዕባ ጕዕዞኡን ቃልስታቱን ኣመልኪቱ፡ ከምኦም ዓይነታት ብድሆታት ዘጋጥሙ ምዃኖም ዝፈልጥ እንተ ዝነበር፡ በቲ መገዲ’ቲ ንኽጓዓዝ ዝወስዶ ውሳኔ ኣጣራጣሪ ምዀን ይብል። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዓብደልራሒም ኣብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዕቝባ ተዋሂቡዎ፡ ነባሪ ከተማ ሊድስ ድማ እዩ።