ርኣይ ዛንታ መሓመድሲዒድ -ጉጉይ ምስሊ መሓመድስዒድ ክልተ ደቁን ሰበይቱን ኣብ ዓዲ ገዲፉ ክስደድ ዝተገደደ ኣብ ኤውሮፓ በጺሑ መታን ክሕግዞምዩ። ከምቶም ካላኦት ብዙሓት ጉዕዝ ኡ ኣብ ሰሃራ ሊብያ ከም ኡውን ኣብ ሜዲትራን ያን ካብ ኣፍ ሞት ብምውጻእ ብዙሕ ጭውያታት፣ሞት ብጽም ኢ ማይን ካብ መካይን ዝጸደፉ ሰባት ሓጋዚ ዘይብሎም ገዲፍካ ምኻድን ተዓዚቡ።
ርኣይ ፈተናን መከራን ኣብራሃም ከም ካልኦት ስደተኛታት፡ ንኤርትራ ኪገድፋ ኸሎ ብዛዕባ እቲ ኪፍጽሞ ዝነበሮ መገሻ ድሩት ፍልጠት ጥራይ እዩ ነይሩዎ። ናብ ካርቱም ኢሉ ኢዩ ተበጊሱ። ካርቱም ነቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ገይሮም ንኤውሮጳ ኪሰግሩ ዚደልዩ ቀንዲ መነሃርያ እያ። ዕላማ ኣብራሃም ከኣ ከም ካልኦት ብጾቱ ኣብዛ ኸተማ ሰሪሑ ንመገሻኡ ዚኸውን ገንዘብ ንምእካብ እዩ።