ዝርገሐ ሓበሬታ ኣብመንጎ መዘናታት ንምህናጽ ፤ጸለውቲ ዝተባህሉ ዲያስፖራ ኤርታራዊያን ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ የዳልዉን ይዝርግሑ። እዚ ከኣ ቤላ ቤሎ ሓበሬታትን ንምግታእን ኣገደስቲ ሓበሬታት ንምዝርጋሕ ዝዓቀነዩ።
ብተወሳኺውን ሓበሬታት ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊታት ኣብ ግምት ዘእትዉ ክኸውን ይሕግዝ።
ዘርኣይ ኣብራሃም ኪሮስ፤ ተቀማጢ ፍራንክፉርት፤ ተሓጋጋዚ ምዝንታው ሓቀኛ ታሪኽ መሰራቲ ኡቡንቱ ሃኡስ(Ubuntu Haus) ዝኾነ፡ሓጺር ናይ ቪድዮ መልእክቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ብምዝርጋሕ፡”ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርታርዊያን ማሕበረሰብ፡ነብሶም ካብ ኮሮና-19 ክከላኸሉ፡መምርሒታት ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ን WHO ብግቡእ ክኸታተሉ ጸዊዑ።