
ዛንታ መሓመድ፡ ናይ ከንቱነት ከንቱ
“ጉዕዞ ጅምር ካብ ዘበልናላ ኣትሒዘ እዚ ኩሉ ኣብ ምእንቲ ምንታይ ኢለ ንነብሰይ ዘይሓተትኩላ ግዜ የላን፡፡ ህይወተይ ኣብዚ ፈታኒ ኩነታት እንተ ሓሊፋ ኣላህ ከም ዝሓተኒ ተሰወጠኒ፡፡” ብምባል መሓመድ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቐማጢ ጀርመን የስተንትን፡፡
መሓመድ ኣብ ሱዳን ንሓያሎ ዓመታት ተቐሚጡ ኔሩ፡፡ ስራሕ ከናዲ ናብ ካርቱም ቅድሚ ምቕንዑ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ተቐሚጡ ኔሩ፡፡ ዋላኳ ከም ስደተኛ ወግዓዊ ፍቓድ ስራሕ ኣይንበሮ ኣብ ሓደ ጋራጅ ጽገና መካይን ናይ ጉልበት ስራሕ ረኸበ፡፡ መንግስቲ ሱዳን ከይረኽብዎ ይፈርህ ስለዝነበረ ግና ኣብ ካርቱም ዘሕልፎ ዝነበረ ህይወት ቀሊል ኣይነበረን፡፡ በዚ ድማ ዋላኳ ብዛዕባ ስደት ኣውሮጳ ጽቡቕ ወረ ይሰምዕ እንተዘይነበረ ናብ ኣውሮጳ ዕድሉ ክፍትን ምስ ካልኦት ሰገርቲ ተበገሰ፡፡
“ኩስቶ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ትርቡሊ በጺሑ፡ ዓዲ ጥልያን ኣትዩ” ኢሎም ሰባት ከውርዩ ትሰምዕ፡፡ “ገሊኣቶም ግና ይትረፍኩም ከቢድ እዩ ኢሎምና ኔሮም፤ ግና ኣይኣመንክዎምን፡፡ እኒ እገለ ካብ ኣተዉ ኣነ ካብ መን እሓምቕ”ይብል ብምውሳኽ፡፡
ብሓገዝ ሰምሰርቲን ሳላ ዘዋህለለን ቁሩብ ገንዘብን ኣብ ሓንቲ በሰብ ዓቕላ ዝጸበባ መኪና ተጻዒኑ ካብ ካርቱም ነቐለ፡፡ ኣብቲ ምድረበዳ ምስ በጽሑ እቶም ሰምሰርቲ ብዘይ ገለ ምኽንያት ክወቕዑዎም ጀመሩ፡፡ መታን ሓለዋ ዶባት ከይርእዎም ብምባል ከኣ ናይ ፕላስቲክ ቴንዳ ጌሮም ሸፊኖሞም፡፡
“ከምዛ ኣቕሑ ብ ቴንዳ ላስቲክ ጌሮም ሸፊኖምና.”ይብል፡፡ “ምንቕ ክንብል ኣይከኣልናን፤ ክንመውት ዝተረፈና ኣይነበረን” ይብል ወሲኹ፡፡
ዶብ ምስ ሰገሩ እተን ዝርካበን ገንዘቡ ተወድኣ፤ በዚ ድማ ኣብ ሓገዝ እቶም መጓዕዝቱ ወደቐ፡፡ እቶም ገንዘብ ዘሰጋገሩ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ጉዕዞ ክጅምሩ ተባሂም ተፈትሑ፡፡ መሓመድን እቶም ካልኦት ክኸፍሉ ዘይከኣሉን ግና ኣብኡ ተረፉ፡፡.
ውዒሉ ሓዲሩ ግና ኣብ ሱዳን ካብ ዝነበሩ ኣዕሩኹ ተሓጊዙ መሓመድ ናብ በንቓዚ ዝጓዕዞ ገንዘብ ከፊሉ ወድአ፡፡ ካብኡ ኸኣ ብሽፍንቲ መኪና ናብ ትርቡሊ ኣተወ፡፡
ትርቡሊ ከምቲ ሰምሰርቲ ዝበልዎ ኣይጸንሖን፡፡ ኣብ ሓንቲ ኣረጊት ጃልባ ምስ 350 ካልኦት መሳኪን ስደተኛታት ተሳፈረ፡፡ “ከምቲ ሰምሰርቲ ዝበሉና ዘይኮነስ እተን ጀላቡ ናእሽቱ እየን ኔረን፡፡” ብምባል ይዝክሮ፡፡ “ጉዕዞ ሸውዓተ ሰዓታት ክወስደልና እዩ ኢሎምና ኔሮም፤ ግና 12 ሰዓታት ምሉእ ወሲዱልና”
ዛንትኡ ኣብዚ ስማዕ