ልዋም ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ’ያ።ሓደ መዓልቲ እታ ትፈትዋ መሓዛኣ ናብ ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ከምዝጀመረትፈለጠት። ንሳ’ውን ክትኸይድ ወሰነት። ኣስዒባ ግን ካብታ መሓዛኣ ደብዳበ ብዛዕባ ኩነታታን ተመኩሮኣን ዝገልጽ ምስ ተቀበለት ብጣዕሚ ተሰቐቐት።ብዛዕባ’ቲ ጉዕዞ ዘስካሕክሕ ኣስተንቱኖታት ምሰምበበት፡ ሉዋም ንነብሳ ከምዚ ኢላ ክትሓታ ተገደደት፥” ማዕረ ኽንድኡ ድየ ሂወተይ ኣብ ሓደጋ ከውቃ ዝደሊ?”
“አቲ ጉዕዞ”መጽሓፍ ዕላምኡ ንህጻውንቲ ኩነታት ዘይ ሕጋዊ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳን ሳዕቤናቱን ሓቀኛ ስእሊ ብምቅራጽ ንምዝንታው ተባሂሉ ዝተጠረ ጽሑፍ’ዩ። እታ መጽሓፍ ብኢንግሊዘኛ፡ ቲግርኛ፥ ዓረብን ተተርⶔማ ንረብሓ ህዝቢ ዝርግሕቲ ኢያ።