ጉጅለ ምዝንታው ሓቀኛ ታሪኽ ኣብ ሃገረ ምስሪ(ግብጺ) ኣብ መበል ሳልሳይ ዋዕላ ፊልም ኤል ጎና( El Gouna) ካብ 19 ክሳብ 27 መስከረም ንዝተኻየደ ምስታፍ ነይሩ።
ዳኔላ ሲቸላ( Daniela Cicchella) ነቲ ጎስጓስ ዝመርሐቶን “ድምጺ ስደተኛታት ኣብ ፊልም ኢንዳስትሪ” ኣብ ዝብል ዘተ ኣብ ናይ ጠረጴዛ ዝርርብ ዝተኸታተለን ፡”እዚ ጎስጓስ እዚ ስደተኛታት ምስክርነቶም ከም ስትራተጂ ናይ ምብህሃል ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰቦም “ክጥቀምሉ ኣስሚራትሉ።
ብተወሳኺ ሓሙሽተ ቃል ምስክርነት ዘስምዑ ፡ናብ’ቲመደብ “ድምጺ ስደተኛታት ኣብ ፊልም” ተመሪጾምን ኣብ ጐኒ እቶም ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ዝርአዩ ተንቀሳቃሲ ምስልታት(ቪድዮታት) ተሰሪዖም ኣለዉ።እዚ ሓጸርቲ ተንቀሳቃሲ ምስልታት (ቪድዮታት) እዚ ከም ኣካል ስራሕ ምጥባቕን ምዕባይ ኣተኽሮን ፡ ኣብ መጻኢ ንንውሕ ዝበለ ዶኮመንተሪታት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት እዩ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ዘተ-https://bit.ly/2QayhhN