በረኸት ወዲ 13 ዓመት ኤርትራዊ ኮይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሩ ኔሩ።መዓልታዊ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ን 5 ዓመታት ዘይረኣያ ወላዲቱ ክረኸባ ይትምነይ።
ወዲ 8 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ ስለዝመተ፤ በረከትን፤ሃብቱን ኣዲኡን ፤ ምስ ሓውቦኦም ክነብሩ ጀሚሮም። ሓውቦኦም ግና ይጭክነሎም ስለዝነበረ በረከትን ክሃድም ወሲኑ።ነዲኡ ክሕግዛውን ወሲኑ።
ምስ ካልኦት ሰባት ኮይኑ፤ጉዕዞ ናብ ቀረባ ዝርከባ ሃገራትማዓስከር ስደተኛታት ጉዕዞ ጀመረ። 2 ዓመት ከኣ ተቀሚጢ ምስ ገለ ገለ ሰባትውን ተላልዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግና ነዲኡ ክሕግዛ ኣይከኣለን። ሓንቲ መዓልቲ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ዓርኩ ደዊሉ ናብ ኤውሮጳ፤ምስኡ ንኽጋዓዝ ሓቲትዎ። እቲ እንኰ ንስድራኻ ክትሕግዘሉ እትኽእል ዝበለጸ ዕድልምኻኑ ነጊርዎ።
በረኸት መጀመርታ ተጠራጢሩ ዳሕራይ ግና ምስ ክልተ ኣዋልድ ኣብ ካምፕ ዝተላለየን ጉዕዞ ጀሚሩ። ንነዊሕ እዋናት ምስተጋዕዙ መኪና መጺኣ ወሲዳቶም። ናብ ሓደ ገዛ ድማ ወሲዶሞም። ኣብቲ ገዛ ንክልተ ሰሙን ዓጽዮም ቀጻሊ ቀጥቂጦሞም። ተወሰኽቲ መካይን መጽየን። ንመብዛሕትኦም ደፋፊኦም ኣብተን መካይን ጻቃቒጦም ናብ ሊብያ ወሲዶሞም።
ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ሰምሰርቲ ተዓጽዮም ዝኸፈአ ዓመጻትውን ኣጋኒፍዎም። ሰልዲ ክከፍሉ ዘይከኣሉ ሰባት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክቅጥቐጡውን ሪኦም። በረኸትን እተን ክልተ ኣዋልድ ክሃድሙ መዲቦም፤ ሓንቲአን ግና ተታሒዛ።እንታይ ከምዘጋጠማውን በረኸት ክሳብ ሎሚ ኣይፈልጥን'ዩ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ፖሊስ መጽዮም ናብ ቤትማእሰርቲ ወሲዶሞም።ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኤርታራ ተመሊሲ ነዲኡ ክረኽባ ተስፋ ይገብር።